ንስኹም ዲኹም ወይስ ቀረባ ዘመድ እዩ ንስግኣታት ጎነጽ ወይ ጭቆና ዝቃላዕ ዘሎ? ድሉው ሓገዝ ኣሎ። ኣብ ናይ ሓገዝ መስመር ክትድውሉ ትኽእሉ ወይ ምሳና ከተዕሉሉ ትኽእሉ። ሐገዝን ምኽርን ሓበሬታን ክትውሃቡ ኢኹም።
• ንሕና ብዙሕ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ንዛረብ ኢና።
• ንሕና ምሉእ ምስጢር ምዕቃብ ንህብ።
• ስምኩም ክዕቀበልኩም ይኽእል እዩ።
• ተለፎናት ናጻ እዮም ኣብ ናትኩም ናይ ቴለፎን ቢል ድማ ኣይክርኣዩን እዮም።
ክትድውሉልና ከለኹም ንስኹም ኢኹም ትውስኑ፡ እዚ ድማ ብመሰረት እንታይ ትደልዩ ወይ ትጠልቡ እዩ። እዚ ዝስዕብ ክትረኽቡ ትኽእሉ፡
• ንዘጋጠመኩም ነገር ንንምስራሕ ዘሎ ሓገዝ፡
• ሓበሬታ ብዛዕባ ሕግታትን መቆጻጸሪታትን
• ሓበረታን ምኽርን ብዛዕባ ናበይ ትቕጽሉ
• ሓገዝ ጠበቓ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ወይ ፖሊስ ኣብ ምርካብ
ክንዲ ዝደለኹሞ ብዝሒ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ክትነግሩና ዝደለኹሞ ንስኹም ኢኹም ትውስኑ፡ ከሙኡ ድማ ንሕና ክንገብሮ ዝሓተትኩሙና ጥራይ ኢና ንገብር።
ጎነጽ ከየስተብሃልክሙሉ ኣብ ዝምድናታት ክምዕብል ይኽእል እዩ፡ ከምኡድማ እቲ ዘጋጥመኩም ዘሎ ጎነጽ እንተኾይኑ ዘይምፍላጥኩም ድማ ልሙድ እዩ። ጎነጽ ብሓደ ወይ ካብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ክፍጸም ይኽእል እዩ። ጎነጽ ድማ ከምዚ ክኸውን ይኽእል፡ ንኣብነት፡
• ኣካላዊ
• ጾታዊ
• ስነ-ኣእሙራኣዊ/ስሚዒታዊ
• ንዋታዊ ወይ ገንዘባዊ
ቴለፎን፡ 020-81 82 83
ሶኒ-ዓርቢ: 09:00-16:00
ኢመይል፥ stodjouren@somaya.se
ሶማያ ንዝተበደሉ/ኣብዩዝድ እኹላት ሰባትን ደቆምን ውሑስ መቐመጢ ትህብ። ንሕና ካብ ሙሉእ ሽወደን ደቀንስትዮ፡ ሰብኡትን ናይ LGBTQI ሰባትን ንቕበል። ዝበዝሑ መንበሪታት ከኣ ብማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብመገዲ ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን ይካወኑ።
እቲ ናይ ፈለማ እዋን ኣብ ናህና መጽለሊ ዘለዎ መንበሪ ከኣ ምስ’ቲ ጎነጽ ወይ ምፍርራሃት ዝገብር ዝነበረ ሰብ ወይ ሰባት ርክብ ደው ምባል እዩ። ግብራውን ስሚዒታውን ደገፍ ክትወሃቡ ኢኹም። ናብ ፖሊስ ክትሕብሩ እንተድኣ ደሊኹም፡ ምኽሪ ክትረኽቡ ምስ ጠበቓ ክትራኸቡ ክንሕግዘኩም ኢና። ምስ ሰበ-ስልጣን፡ ሕክምናን ቤት ትምህርትን ኣብ ትገብርዎ ርክብ ውን ክንድግፈኩም ኢና።
ኣብ ናህና መንበሪ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሶም ክፍሊ ምስ መሸጎሪ ማዕጾ ይረኽቡ። ካልኦት ግን ተኻፊልካ እዮም ዝርከቡ፡ እዚ ድማ ከም ክሽነ፡ ሳሎንን መሕጸቢ ነብስን። ምግዛእን ምስራሕን መግቢ ድማ ባዕልኹም ኢኹም ሓላፍነት ትስከሙ።
ምሳና ክትነብሩ ከለኹም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘሕይልኹም ንጥፈታት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም፡ ስለዚ ድማ ደገፍ ክውሃበኩም እዩ በዚ ድማ ርእስኹም ኪኢልኩም ክትነብሩ ኢኹም።
ናይ ሶማያ ናይ ደቀንስትዮን ናይ ኣዋልድን መጽለሊ ከኣ ንመኽሰብ ዘይቆመ ማሕበር እዩ። ንሕና ናይ ወጻኢ ድሕረባይታ ንዘለዎም ን ጎነጽ ንዝተቓልዑ ከምኡ’ውን/ወይ ምስ ኣብ ናይ ኩሩዕ ባህሊ ዝተሰረተ ዝተሓሓዝ ኩነታትን ንዘለው ንደቀንስትዮን ናይ LGBTQI ሰባትን ንድግፍ ኢና። ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ተመክሮ ኣሎናን ከምኡ ድማ ብዙሕ ቋንቋታት ንዛረብ ኢና። ንሕና ናይ ሓገዝ መስመር፡ ናይ ዕላል ደገፍ/ቻት፡ መጽለሊ ዘለዎ ገዛን ናይ ንጥፈት ማእከልን ኣሎና።